ካብ ካልኦት ንኸይግለሉ ኣብ ምዕጋት ኵሎም ዓበይቲ ሓላፍነት ከም ዘለዎም የጕልሕ። እቲ መውዓል ሕጻናት፡ ሓደ ቘልዓ ጥዕና፡ ሓጐስ፡ ርእሰ ምትእምማን ክረክብ ኣብ ምሕጋዝ ከምኡውን ዓመጻን ምድንዳንን ኣብ ምውጋድ ኣበርክቶ ኽገብር ኣለዎ። FUB ብዛዕባ ተመክሮ ናይቲ ዝድንደን ሰብ ከምኡውን ተመክሮን ስም ዒታትን ቈልዑ ኣርዚንካ ዝርአ እንተ ዀይኑ የሻቕሎ እዩ። ንድንደና ንምቅዋም ዚግበር ጻዕሪ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ሕጻናት ዝስርሓሉ ፍረ ነገር ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ መውዓል ሕጻናት ነቲ ቘልዑ ዳሕራይ ዝረኽብዎ ትምህርትን ሞያን ዝኸውን መሰረት የንብር። ስለዚ፡ እቶም ቈልዑ ኣብ ሕጅን ኣብ መጻእን ህይወቶም ዝጠቕሞም ጽቡቕ ባህርያትን ምቅርራብን ምእንቲ ኸማዕብሉ ንድን ደና ምውጋድ ካብ ቍልዕነቶም ኣትሒዝካ እዩ ኽጅመር ዘለዎ። FUB ኣብቲ ኣንጻር ምድንዳን ዝግበር ጻዕሪ በዚ ዝስዕብ መገዲ እጃም ኣለዎ፦ ሓለፍትን ሰራሕተኛታትን ወለድን መውዓል ሕጻናትን ድልዱላት ክዀኑ ብምሕጋዝ ከምኡውን ፍልጠትን ትምህርትን ብምስፋሕ ኣበርክቶ ኺገብር እዩ።
Last ned PDF-fil