ቈልዑን ዘጋጥሞም ምድንዳንን ኣብ መውዓል ሕጻናት ምድንዳን ብእተፈላለየ መገድታት እዩ ዚፍጸም፣ ገለ ኻብዚ ኸኣ ቈልዑ ምስ ዓበይቲ ኸለዉ ዀነ በይኖም ከለዉ ምሽጋር ወይ ካብ ጻውቲ ምኽልካል የጠቓ ልል። ቈልዑ ኺድንደኑ ኸለዉ ካብ ጽቡቕ ምሕዝነት፡ ጻውቲ፡ ትምህርቲ ይርሕቁ እዮም። ምሉእ ቈልዓ፡ ኣብ ኵሉ፣ ድንደና ኣብ መውዓል ሕጻናት ዘርእስቱ መጽናዕቲ (ሉንድ ምስ ካልኦት ብሓባር ብ2015 ዝገበርዎ መጽናዕቲ) ኸም ዚሕብሮ፡ ቈልዑን ሰራሕተኛታትን ወለድን ኣብ መውዓል ሕጻናት ምድንዳን ከም ዘሎ እዮም ዚኣምኑ። ይኹን እምበር፡ ምድንዳን ከም ዘሎ ዝዛረቡ ካብ ወለዲ ንላዕሊ ሰራሕተኛታት እዮም። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና እቶም እቲ ናይ ምርምር ጸብጻብ ንድንደና ኸምዚ ዝስዕብ ብምባል ይገልጾ፦ ወለዲ እቶም ሰራሕተኛታት ንዘጋጥም ድንደና ክዕዘቡን ደው ከብሉዎን ትጽቢት ይገብሩ እዮም። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ፡ ብማእከላይ ገምጋም ካብ ኣርባዕተ ሰራሕተኛ ታትን ወለድን እቲ ሓደ ኣብ መውዓል ሕጻናት ምድንዳን ከም ዘየለ ይዛረብ። እዚ ኸኣ ምድንዳን ንኸይቅላዕ ወይ ደው ንኸይብል ክገብር ስለ ዝኽእል ዘተሓሳስብ እዩ። "ኣብ መውዓል ሕጻናት ንቘልዑ ምድንዳን ዝብሃል፡ ዓበይቲ ኰኑ ቈልዑ ንኻልኦት ቈልዑ ከም ዝግለሉ ዀይኑ ክስምዖም፡ ንሕብረተሰብ ኣገደስቲ ኸም ዝዀኑ ኰይኑ ከም ዘይስምዖም ብምግባርን ተሳትፎ ናይ ምግባር ኣጋጣሚኦም ብምኽላእን ዘርእይዎ ተግባር እዩ።" እቲ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ መውዓል ሕጻናት ንዘለዉ ሕጻናት ጻውትን ዕርክነትን እቲ ልዕሊ ዅሉ ዘገድሶም ነገር እዩ። ኣብቲ ምስ ቈልዑ እተገብረ ቃለ-መጠይቓት ከኣ ናይ ቈልዑ ምሕዝነትን ምስ ካልኦት ክሕወሱ ምኽ ኣሎምን ንድሕንነቶም ኣዝዩ ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ተፈሊጡ እዩ። ስለዚ፡ ዓበይቲ ኣብ ናይ ቈልዑ ጸወታታት ምህላዎምን ኣብኡ ምስታፎምን ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ። እዚ ኸኣ ቈልዑ
Last ned PDF-fil