ምኽሪ ናይ መውዓል ሕጻናት ኮሚተ ወለዲ ብተፈጥሮ፡ ወለዲ ኣብተን ናይ መጀመርታ ዓመታት ዕድመ ደቆም ብዛዕባኦም ይጭነቑ እዮም። እቶም ወለዲ ብማዕረን ብንጥፈትን ምስ መውዓል ሕጻናት ተሓባቢሮም ክዓዩ እዮም። ነዚ ንምፍጻም ከኣ፡ ወለዲ ካብ ምጅማር መውዓል ሕጻናት ኣትሒዞም ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት ምኽሪ ወለድን ኣብ ኮሚተ ምትሕብባርን ዘለዎም መሰላትን ሓላፍነታትን ጽቡቕ ሓበሬታ ክረኽቡ ኣለዎም። ናይ መውዓል ሕጻናት ኮሚተ ወለዲ (FUB)፡ ክልተ ፊልምታት ሓበሬታ ኣዳልዩ እዩ። እቲ ሓደ ፊልም ኣብ ናይ ወለዲ ኣኼባ፡ እቲ ሓደ ፊልም ከኣ ኣብ ኮሚተ ምትሕብባር ስልጠና ንምሃብ ምጥቃም ይከኣል እዩ። እዚ ፊልምታት እዚ ንወለዲ ጽቡቕ ሓበሬታ ይህቦም እዩ። ጽቡቕ መዋቕር ንዕዮ ቤት ምኽሪ ወለዲ ዀነ ኮሚተ ምትሕብባር ዝኸውን ጽቡቕ መዋቕር ምህላው፡ ተሳትፎን ንጥ ፈታትን ንምፍጣር ኣድላዪ እዩ። ነቲ ዕዮ ጽቡቕ ቅርጺ ንኽሕዝ ኪሕግዝ ዚኽእል ገለ ስጕምትታት እንሆ፦ • ቻርተር ቤት ምኽሪ ወለድን ኮሚተ ምትሕብባርን • ቀዋሚ ጕዳያት ዘለዎ ዓመታዊ መደብ • መደብ ኣኼባ ምሉእ ዓመት ኣብቲ ቀዳማይ ኣኼባ እዩ ዚቐውም •ኣቃውማ ናይቲ እተፈላለየ ንጥፈታት ክፈላለ ኣለዎ፦ ንኣብነት ኣብ ተገዳስነት፡ ድሕረ ባይታ፡ ምትእስሳር፡ መንበሪ ቦታ ከምኡውን ተመክሮ ናይቶም ናይ መውዓል ሕጻናት ወለዲ ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ • ስርዓታት ኣኼባ • መስርሕ፦ ቤት ምኽሪ ወለዲ > “ንቤት ምኽሪ ወለዲ ዝውክል ናይ ስራሕ ኮሚተ > ኮሚተ ምትሕብባር > ወናኒ ኣብ ናይ ኮሙነ መውዓል ሕጻናት፦ ምምሕዳር > ፖለቲካዊ ቦርድ ኣብ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ ሕጻናት፦ ወናኒ/ትካል/ውድብ ኣብ ሓድሕድካ ግልጽነትን ምትእምማንን ብምፍጣር ጽቡቕ ናይ ምትሕብባር ሃዋህው ክህሉ መሰረት ኣንብር። ጕዳያት ኰነ ጥርዓናት ብኸመይ ከም ዚተሓዝን ጽቡቕ ኣገባብ ኣዳሉ። 5

ናይ መውዓል ሕጻናት ኮሚተ ወለዲ ቤት ምኽሪ ወለዲ ቤት ምኽሪ ወለዲ እንታይ እዩ፧ • ንዅሎም ወለዲ መውዓል ሕጻናት ዝሓቍፍ ብሕጊ ዝምረጽ ቤት ምኽሪ እዩ። • ኣብ ኮሚተ ምትሕብባር (SU) ዝውከሉ ተወከልቲ ዝመርጽ ቤት ምኽሪ እዩ። •እቲ መውዓል ሕጻናት “ንቤት ምኽሪ ወለዲ ዝውክል ናይ ስራሕ ኮሚተ” (FAU) ዘለዎ እንተ ዀይኑ፡ ነዞም ኣብዚ ናይ ስራሕ ኮሚተ ዝኣትዉ ተወከልቲ ዝመርጽ ቤት ምኽሪ ወለዲ እዩ። •እቲ ቤት ምኽሪ ወለዲ ዅሎም ወለዲ ናይቶም ወለዲ ዝሓቘፈ ቤት ምኽሪ ዀይኑ፡ ሓባራዊ ረብሓታቶም ኬደንፍዕ ኣለዎ። እቲ ኣብ መንጎ መውዓል ሕጻናትን ጕጅለ ወለድን ዘሎ ምትሕ ብባር ኣብ መውዓል ሕጻናት ጽቡቕ ሃዋህው ከም ዘስፍን ክገብር ይሰርሕ። ቤት ምኽሪ ወለዲ እንታይ እዩ ዝገብር፧ •ቤት ምኽሪ ወለዲ ብዛዕባ እቲ ቤት ምኽሪ ወለዲ ዘለዎ ሓላፍነታትን ግዴታታትን ዝገልጽ ቻርተር ክህልዎ ኣለዎ። •ነቲ ካብ ኮሚተ ምትሕብባር (SU) ዝመጸ ጕዳያት ይመያየጠሉ። እቲ ጕዳይ ምስ ተመያየጡሉ ኸኣ፡ እቲ ውጽኢት ኮሚተ ምትሕብባር (SU) ይለኣኽ። •ልዕሊ እቲ ናይ ክፍሊት ደረት ብዛዕባ ዝዀነ ናይ ወለዲ ክፍሊት ክህሉ ዝሰማማዕ ቤት ምኽሪ ወለዲ ጥራይ እዩ። (ዓንቀጽ 20 ሕጊ መውዓል ሕጻናት) ሓላፊ እንታይ እዩ ዚገብር፧ •ሓላፊ መውዓል ሕጻናት ነቶም ወለዲ መውዓል ሕጻናት፡ ቤት ምኽሪ ወለዲ እንታይ ምዃኑ ይሕብሮም፡ ቻርተር ቤት ምኽሪ ወለዲ ድማ ንዅሎም ወለዲ የፍልጦም። •ሓላፊ እቲ መውዓል ሕጻናት ኣብቲ ናይ ምይይጥ ጕዳይ ይሳተፍን የቕርብን። በዚ ኸምዚ እቶም ወለዲ ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ጽቡቕ ሓበሬታ ይረኽቡ። • እቲ ወናኒ መውዓል ሕጻናት ኣገዳሲ ጕዳያት ናብ ቤት ምኽሪ ወለድን ናብ ኮሚተ ምትሕብባ ርን ከም ዚቐርብ ኪገብር ኣለዎ። • ኣኼባታት ምእንቲ ኺግበር ምድላዋት ይገብር። 6

    ...