ትሕዝቶ 4 ሕጊ 7 ኮሚተ ምትሕብባር 5 ምኽሪ ናይ መውዓል ሕጻናት ኮሚተ ወለዲ 6 ቤት ምኽሪ ወለዲ 8 ንቤት ምኽሪ ወለዲ ዝውክል ናይ ስራሕ ኮሚተ 10 ቻርተር 14 15 ጕዳያት ሓበሬታ 3
ናይ መውዓል ሕጻናት ኮሚተ ወለዲ ሕጊ ኣብ መንጎ ወለድን መውዓል ሕጻናትን ዝግበር ምትሕብባር ኣብዚ ዝስዕብ ሰፊሩ ኣሎ፦ ሕጊ መውዓል ሕጻናት፦ ዓንቀጽ 1፦ ዕላማ እቲ መውዓል ሕጻናት ምስ ወለዲ ብምትሕብባርን ብምርዳእን እቶም ቈልዑ ዘድልዮም ክንክንን ምጽዋትን ከም ዝረኽቡ ይገብር፡ ኵለ መዳያዊ ዕቤት ክግብሩ ዝሕግዞም ትምህርትን መዋቕርን ድማ የደንፍዕ። ዓንቀጽ 4፦ ቤት ምኽሪ ወለድን ኮሚተ ምትሕብባርን ምስ ወለዲ እቶም ቈልዑ ጽቡቕ ምትሕብባር ምእንቲ ኺህሉ፡ ነፍሲ ወከፍ መውዓል ሕጻናት፡ ቤት ምኽሪ ወለድን ኮሚተ ምትሕብባርን ኪህልዎ ኣለዎ። እቲ ቤት ምኽሪ ወለዲ፡ ንወለዲ ዅሎም ውሉዳት ዝሓቘፈ ዀይኑ ሓባራዊ ረብሓታቶም ንምድን ፋዕን እቲ ኣብ መንጎ መውዓል ሕጻናትን ጕጅለ ወለድን ዘሎ ምትሕብባር ኣብ መውዓል ሕጻናት ጽቡቕ ሃዋህው ከም ዘስፍን ክገብር ይሰርሕ። ልዕሊ እቲ ኣብ ዓንቀጽ 15 ዘሎ ብዛዕባ ወለዲ ዝኸ ፍልዎ ዝለዓለ ናይ ክፍሊት ደረት ዝገልጽ መምርሒ ዝዀነ ክፍሊት ክህሉ ዝሰማማዕ ቤት ምኽሪ ወለዲ ጥራይ እዩ። እቲ ኮሚተ ምትሕብባር፡ ኣማኻርን ርክብ ዝፈጥርን ዘተሓባብር ኣካል ክኸውን እዩ። እቲ ኮሚተ ምትሕብባር፡ ነፍሲ ወከፍ ጕጅለ ብማዕረ ምእንቲ ኽውከል ንወለድን ንሰራሕተኛታት እቲ መውዓል ሕጻናትን ዝሓቘፈ እዩ። ወናኒ እቲ መውዓል ሕጻናት ብፍቓዱ ኺሳተፍ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ካብ ካልኦት ጕጅለታት ንላዕሊ ግና ክውከል የብሉን። እቲ ዋና መውዓል ሕጻናት ኣገዳሲ ጕዳያት ናብ ቤት ምኽሪ ወለድን ናብ ኮሚተ ምትሕብባርን ከም ዚቐርብ ኪገብር ኣለዎ። 4
