ናይ መውዓል ሕጻናት ኮሚተ ወለዲ (FUB) እንታይ እዩ፧ FUB በቶም ኣብ መውዓል ሕጻናት ዘለዉ ወለዲ ንዓታቶምን ብኣታቶምን ዝቘመ ብርእሱ ዝመሓደር ኣካል እዩ። ንሚኒስትሪ ትምህርቲ ኸኣ ብዛዕባ መውዓል ሕጻናት ኣብ ዝምልከት ጕዳያት ከማኽር ይኽእል እዩ። ናይ መውዓል ሕጻናት ኮሚተ ወለዲ ንመውዓል ሕጻናት ብኸመይ ይጠቕሞም፧ እቲ ኮሚተ ንወለድን ንሰራሕተኛታትን ንህዝባዊ ትካላትን ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ወለድን መውዓል ሕጻናትን ዘሎ ምትሕብባር ምኽርን መምርሕን ይህቦም እዩ። • ቀንዲ ሸቶ ናይ መውዓል ሕጻናት ኮሚተ ወለዲ (FUB)፡ እቶም ኣብ መውዓል ሕጻናት ዘለዉ ቘልዑ ማሕበራውን ቍጠባውን ዓሌታውን ድሕረ-ባይታኦን ዓቕሞምን ብዘየገድስ፡ እቲ ኣብ መንጎ ወለድን መውዓል ሕጻናትን ዝግበር ምትሕብባር ነቶም ቈልዑ ጽቡቕ ዕድል ዝፈጥረሎም ክኸውን ምሕጋዝ እዩ። • ምስ ኵሎም ወለዲ ዝግበር ጽቡቕ ምትሕብባር፡ ነቶም ቈልዑ ኣብ መውዓል ሕጻናት ዝያዳ ድሕን ነትን ሓጐስን ከም ዝረኽቡ ብምግባር ይጠቕሞም ኢዩ። • ናይ መውዓል ሕጻናት ኮሚተ ወለዲ (FUB) ዕዮ፡ ነቲ ወለዲ ኣብ መውዓል ሕጻናት ዘለዎም ተሳት ፎን ነቲ ወለዲ ዜሕድርዎ ጽልዋን የደልድሎ። FUB ዘገድሶ ቐንዲ ጕዳያት FUB ኣብ ውሽጥን ወጻእን መውዓል ሕጻናት ዝግበር እተፈላለየ ጕዳያት የገድሶ እዩ። እዚ ዝስዕብ ጕዳያት ድማ፡ ኣብ ናይ ኮሚተ ዓመተ 2020-2023 ክፍጸም መሪጹ ኣሎ፦ ሰራሕተኛታት ስግግር ድሕንነትን ሓጐስን ከባብያዊ ኵነታት መውዓል ሕጻናት FUB እንታይ ኣበርክቶ ኺገብር ይኽእል፧ • FUB ነቶም ኣብ መውዓል ሕጻናት ውሉዳት ዘለውዎም ወለዲ ምኽርን መምህርን ይህቦም • FUB ንወለድን ንሰራሕተኛታትን ንወነንቲ መውዓል ሕጻናትን ብናጻ ኣስተምህሮ ብምሃብ ይሕግዞም • FUB ነቲ ወለድን ሰራሕተኛታት መውዓል ሕጻናትን ዝጥቀሙሉ ፊልምታትን ብሮሹራትን ካልእ ናውቲ ሓበሬታን ብናጻ ኽትረክብ ይሕግዘካ እዩ። ካባና ቐጻሊ ሓበሬታ ኽትረብክ ተመዝገብ! foreldreutvalgene.no ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ስዓበና፦ foreldreutvalgene.no post@fubhg.no ቴል፦ 477 99 200
Last ned PDF-fil