ናይ መውዓል ሕጻናት ኮሚተ ወለዲ (FUB)፡ ንዅለን መውዓል ንቤት ምኽሪ ወለድን ንSUን ዝኸውን ቻርተር ከውጽኣ ይመክር እቲ ቻርተር ክወጽእ ከሎ፡ ኣብ መንጎ ኮሚተ ምትሕብባርን (SU) መውዓል ሕጻናትን ጽቡቕ ምት ሕብባርን ጽቡቕ ምይይጥን ክህሉ ኣገዳሲ እዩ። ትሕዝቶ እቲ ቻርተር እንታይ ክኸውን ከም ዚኽእል ሓደ ኣብነት እንሆ፦ ቤት ምኽሪ ወለዲ ኵሎም እቶም ኣብ ኣባይቲ ሕጻናት ውሉዳት ዘለዉዎም ወለዲ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ወለዲ እዮም። ቤት ምኽሪ ወለዲ ኣብ መንጎ ወለድን መውዓል ምትሕብባር ክህሉ ከምኡውን ሕጻናት ድሕ ንነትን ምዕባለን ክረኽቡ ክዓዪ እዩ። ኣብ ኮሚተ ምትሕብባር ዝውከሉ ተወከልቲ ዝመርጽ ቤት ምኽሪ ወለዲ እዩ። ኮሚተ ምትሕብባር (SU) እቲ ኮሚተ ምትሕብባር (SU)፡ ኣማኻርን ርክብ ዝፈጥርን ዘተሓባብር ኣካል ክኸውን እዩ። እቲ ኮሚተ ምትሕብባር፡ ነፍሲ ወከፍ ጕጅለ ብማዕረ ምእንቲ ኽውከል ንወለድን ንሰራሕተኛታት እቲ መውዓል ሕጻናትን ዝሓቘፈ እዩ። ወናኒ እቲ መውዓል ሕጻናት ብፍቓዱ ኺሳተፍ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ካብ ካልኦት ጕጅለታት ንላዕሊ ግና ክውከል የብሉን። ምርጫን ምስረታን ሓድሽ ኮሚተ ምትሕብባር ዝምረጽ ኣብቲ ወለዲ ኣብ ምጅማር ሓድሽ ዓመት መውዓል ሕጻናት ዝገ ብርዎ ኣኼባ እዩ። ኣብኡ ኮሚተ ምትሕብባር ክምስረት ከሎ፡ መራሕን ምክትል መራሕን ጸሓፍን ይምረጽ። 10
ሓላፍነት ዕማም መራሒ ኮሚተ ምትሕብባር ከምዚ ዝስዕብ ክኸውን ይኽእል እዩ፦ ምስ ሓላፊ መውዓል ሕጻናት ብምትሕብባር፡ ኣጀንዳ የዳሉን ንኮሚተ ምትሕብባር ይሰድደ ሎምን። ኣቦ መንበር እቲ ኣኼባ ይኸውን። ምስ ሓላፊ መውዓል ሕጻናት ርክብ ይገብር። ሓላፍነታት ምክትል መራሕን ጸሓፍን፦ 1. ኣብቲ ዝግበር ኣኼባታት ጸብጻብ ይሕዝ። ነቲ ጸብጻብ ከኣ ንወለዲ የፍልጦም። ሓላፊ መውዓል ሕጻናት ዘለዎ ግደ ሓላፊ መውዓል ሕጻናት ኣብ ኣኼባታት ኮሚተ ምትሕብባር ይሳተፍን ኣገዳሲ ጕዳያት ንኮሚተ ምት ሕብባር የፍልጥ። ሓላፊ መውዓል ሕጻናት ምስ ኮሚተ ምት ሕብባር ብምዝርራብ፡ ኣጀንዳ ከዳሉን ንኮሚተ ምትሕብባር ክሰድደሎምን ይኽእል እዩ። ኮሚተታት እተፈላለየ ዕዮታት ወይ ፕሮጀክትታት ኣብ ዘለዎም መውዓል ሕጻናት፡ ቤት ምኽሪ ወለዲ ዝውክል ናይ ስራሕ ኮሚተ (FAU) (ብሕጊ ዘየድሊ) ካልእ ንኡስ ኮሚተታት FAUን ክመርጹ ይኽእሉ እዮም። ኣኼባታት ኮሚተ ምትሕብባር ኣብ ዓመት x እተፈላለየ ኣኼባታት ይገብር እዩ። እቶም ወለዲ/መውዓል ሕጻናት ዝያዳ ኣኼባ ታት ከም ዘድሊ እንተድኣ ርእዮም ክልቲኦም ነዚ ንምሕታት ኣጋጣሚ ኣለዎም። ዕዮታት •ኣብ መንጎ ወለድን መውዓል ሕጻናትን ጽቡቕ ምትሕብባር ንኽህሉ ይጽዕር። • ዓመታዊ መደብ እቲ ኣባይቲ ሕጻናት የጽድቕ። 11


