ኮሚተ ምትሕብባር (SU) ኮሚተ ምትሕብባር እንታይ እዩ፧ • ማዕረ ቝጽሪ ሰራሕተኛታትን ወለድን ዘለዎ ሕጋዊ ኮሚተ እዩ። • እቲ ኮሚተ ምትሕብባር፡ ኣማኻርን ርክብ ዝፈጥርን ዘተሓባብር ኣካል እዩ። • ወለዲ በቲ ቤት ምኽሪ ወለዲ ኣቢሎም ኮሚተ ምትሕብባር ይመርጹ። • ተወከልቲ ኮሚተ ምትሕብባር ምስጢር ናይ ምሕላው ግዴታ ኣለዎም። ኮሚተ ምትሕብባር እንታይ እዩ ዝገብር፧ •ኮሚተ ምትሕብባር ኣብ መውዓል ሕጻናትካ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ መምርሒ ዝህብ ናይ ገዛእ ርእሱ ቻርተር ኺህልዎ ኣለዎ። •ነቲ ካብ ቤት ምኽሪ ወለዲ፡ ካብ ሰራሕተኛታት ከምኡውን ካብ ሓላፊ መውዓል ሕጻናት ዝመጸ ጕዳያት ይፈትሖ። •ዓመታዊ መደብ እቲ መውዓል ሕጻናት የጽድቕ። ኣብ ዓንቀጽ 2 ሕጊ መውዓል ሕጻናት ኣብ ናይ መወዳእታ ሕጡብ ጽሑፍ ርአ። • ነቲ ኣብ መንጎ ወለድን መውዓል ሕጻናትን ዘሎ ምትሕብባር ይሕልዎ። •እቲ መውዓል ሕጻናት ስሩዕ ስነ ትምህርቲ መውዓል ሕጻናት ዘይተማህሩ ሰራሕተኛታት ክቘጽር ክሓስብ ከሎ ርእይቶኦም ይህቡ። ኣብቲ ምስ ናይ ስነ ትምህርቲ ሰራሕተኛታት ምቝጻር ዚተሓሓዝ ሕጊ፡ ኣብ ክፋል 2 ርአ። ሓላፊ መውዓል ሕጻናት እንታይ እዩ ዚገብር፧ • ሓላፊ መውዓል ሕጻናት ንወለዲ ብዛዕባ ኮሚተ ምትሕብባር ሓበሬታ ይህብ። •ሓላፊ መውዓል ሕጻናት ንኣባላት ኮሚተ ምትሕብባር (SU) ብዛዕባ ዕዮ ኮሚተ ምትሕብባር ስልጠና ይህብ። (ኣብዚ እቲ ብዛዕባ ዕዮ SU ዝገልጽ ናይ መውዓል ሕጻናት ኮሚተ ወለዲ (FUB) ፊልም ክርአ ይከኣል እዩ)። • ሓላፊ መውዓል ሕጻናት ኣብዚ ይሳተፍ፡ ከም ጸሓፊ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ። • እቲ ሓላፊ መውዓል ሕጻናት ንኮሚተ ምትሕብባር (SU) ብዛዕባ እዚ ዝስዕብ ኣገዳሲ ነገራት ሓበሬታ ይህቦም፦ – ቍጠባ መውዓል ሕጻናት – ባጀት – ልሙድ ንጥፈታት – ኵነታት ሰራሕተኛታት – ናይ ወለዲ መጽናዕቲ •ኣየናይ ጕዳያት ከም ዝተሓዝ ከምኡውን መዓስ ኣብ ቻርተር ኮሚተ ምትሕብባር (SU)ን ኣብ ዓመታዊ መደብን ከም ዝኣቱ ሓበሬታ ይህብ። 7

ናይ መውዓል ሕጻናት ኮሚተ ወለዲ ንቤት ምኽሪ ወለዲ ዝውክል ናይ ስራሕ ኮሚተ “ንቤት ምኽሪ ወለዲ ዝውክል ናይ ስራሕ ኮሚተ” (FAU) እንታይ እዩ፧ •“ንቤት ምኽሪ ወለዲ ዝውክል ናይ ስራሕ ኮሚተ” (FAU) ብሕጊ ዘድሊ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ይምረጽ እዩ። ሓያሎ መውዓል ሕጻናት “ንቤት ምኽሪ ወለዲ ዝውክል ናይ ስራሕ ኮሚተ” (FAU) ይምስርታ እየን። • ቤት ምኽሪ ወለዲ FAU ኪህልዎ ክመርጽ ይኽእል እዩ። •FAU መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ ኵሉ ኽፍልታት እቲ መውዓል ሕጻናት ተወከልቲ ዝሓዘ እዩ። • FAU እቲ ኣብ መንጎ መውዓል ሕጻናትን ጕጅለ ወለድን ዘሎ ምትሕብባር ኣብ መውዓል ሕጻናት ጽቡቕ ሃዋህው ከም ዘስፍን ክገብር ይሰርሕ። • ተወከልቲ FAU ምስጢር ናይ ምሕላው ግዴታ ኣለዎም። FAU እንታይ እዩ ዝገብር፧ •FAU ብዛዕባ እቲ FAU ኣብ መውዓል ሕጻናት ዘለዎ ሓላፍነታትን ግዴታታትን ዝገልጽ ቻርተር ክህልዎ ኣለዎ። • ሓባራዊ ረብሓታት ወለዲ ንምድንፋዕ ይሰርሕ። •ነቲ ናይ ወለዲ ጸብጻብ ናብ ኮሚተ ምትሕብባር (SU) የሕልፎ። • ከከም ኣድላይነቱ ኣኼባታት ይገብር። ሓላፊ እንታይ እዩ ዚገብር፧ •እቲ ኣባይቲ ሕጻናት FAU እንተ ኣልይዎ ወይ እንተ ዘይብሉ ነቲ ናይ ንቤት ምኽሪ ወለዲ ይሕብር። • ወለዲ ተወከልቲ ምእንቲ ኺመርጹ ይሕግዝ። • ንወለዲ ብዛዕባ እቲ ናይ FAU ቻርተር ይሕብር። • ዕዮ እቲ መውዓል ሕጻናት ኣብ ቻርተር ናይ FAU ኪግለጽ እዩ። FAU እቲ ሕጊ መውዓል ሕጻናት ክቐውም ዝጠልቦ ግድነታዊ ኣካል ኣይኰ ነን። ስለዚ፡ ኵሎም መውዓል ሕጻናት ኣይኰኑን FAU ዘለዎም። 8

    ...