•ቴማ ዘለዎ ምሸት የዳሉ፡ ምስ ወለዲ ብዛዕባ ጕዳያት መውዓል ሕጻናት ዝዛራረበሉ ናይ ምይይጥ ኣኼባታት እውን የዳሉ። •ናይዚ ዓመታዊ መደብ ርአ (ኵሎም SU ንዕዮኦም ዝኸውንን ነየናይ ጕዳይ ክርእዩ ኸም ዘለዎም ዝገልጽን ዓመታዊ መደብ ከውጽኡ FUB ይመክር) ቍጠባ ሓላፊ መውዓል ሕጻናት ብዛዕባ ዕማም መውዓል ሕጻናት ንSU ይገልጽ። (እዚ ኣብ ዓመታዊ መደብ ዝኣቱ ቀዋሚ ጕዳይ ኪኸውን ይኽእል እዩ) ምስጢር ናይ ምሕላው ሓላፍነት ሕጊ ምምሕዳር ካብ ዓንቀጽ 13a ክሳዕ ዓንቀጽ 13f ብዛዕባ ምስጢር ናይ ምሕላው ሓላፍነት ዝገልጾ ሕጊ፡ ነቶም ምስ ወለዲ ርክብ ዝገብሩን ንናይ መውዓል ሕጻናት ቤት ምኽርን ኮሚተታትን እውን ይምልከት እዩ። (ዓንቀጽ 20 ሕጊ መውዓል ሕጻናት) 12

ኣብ SU ከጋጥም ዝኽእል ዘይምስምማዕ ኮሚተ ምትሕብባር (SU) ንጥቕሚ ዅሎም ሕጻናት ዝቘመ ሓድነት ዝፈጥር ኮሚተ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ኣብ SU ንእተፈላለየ ሓሳባትን ንምይይጥን ቦታ ዕድል ዝህብል ክኸውን ኣገዳሲ እዩ። ዘይም ስምማዕ ምስ ዘጋጥም፡ እቶም ተወከልቲ ኣብቲ ዝመያየጡሉ ቀንዲ ጕዳይን ኣብቲ ንዅሎም ቈልዑ ብሓፈሻ ዝጠቕሞም ነገርን ከተኵሩ ኣለዎም። ኣብ መንጎ SUን ሓላፊ መውዓል ሕጻናትን፡ ኣብ መንጎ ኣባላት SU ወዘተ ንዘጋጥም እተፈላለየ ዘይምስምማዓት ንምፍታሕ ዝሕግዝ ኣሰራርሓን እቲ ኮሚተ ምትሕብባር (SU) ከዳሉ ከም ዘለዎ FUB ይመክር። ኣብ ቻርተር ዝግበር ምትዕርራያት እቲ ቻርተር ኣብ ዓመት ሓንሳእ ክኽለስ ኣለዎ። እቲ ኣብ ቻርተር ክግበር እተሓስበ ምትዕርራያት ብጽሑፍ ንSU ክቐርብ ኣለዎ። እቲ እተመሓየሸ መአረምታታት ቤት ምኽሪ ወለዲ ኣብ ዝገብርዎ ኣኼባ ቀሪቡ ይጸድቕ ወይ ኣይጸድቕን። 13

    ...