መእተዊ ንመጀመርታ ግዜ ስሩዕ ትምህርቲ ምጅማር ኣብ ህይወት ሓደ ሰብ ዓቢ ፍጻመ እዩ። ውሉድካ ትምህርቲ ኺጅምር ከሎ ኸመይ ከም ዚመስል ክትርኢ ተሃንጢኻዶ ኣለኻ፧ ብዙሓት ውሉዳትን ወለድን፡ ብዛዕባ እቲ ውሉድ ትምህርቲ ዝጅምረሉ ግዜ እተሓዋወሰ ስምዒት ይስምዖም፡ ይፈር ሁን ይሕጐሱን እዮም። ነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ኣብ ህይወቱ ለውጢ ኽህሉ ኸሎ ውሕስነት ክረክብ ይደልይ እዩ። ስለዚ፡ ድሕሪኡ እቲ ናይ ምስግጋር እዋን መደብ ምውጻእን ብዛዕባኡ ምዝራብን ጽቡቕ ኢዩ። እቲ ቘልዓ ነቲ ዚመጽእ ኪዳሎ ኸሎ ነቲ ሓድሽ መዓልታዊ ህይወቱ ንኺመልኮ ብዝሓሸ መገዲ ይዕጠቕ። ንወላዲ ዝኸውን ምኽሪ ብዛዕባ ምጅማር ትምህርቲ ውሉድካ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዙሕ ሰዓትን መዓልትታትን ዓመታትን ኬሕልፍ እዩ፣ ስለዚ፡ እቲ ኣብ ክፍሉ ዘሎ ሃዋህው ንዅሎም ቈልዑ ጽቡቕ ኪኸውን ኣገዳሲ እዩ። እቲ ቘልዓ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣዕሩኽ ምስ ዚህልውዎን ምስ ዝሰማምዖምን እቲ ትምህርቲ ቀሊል ይዀነሎም። ንስኻ እውን ከም ወላዲ መጠን ውሉድካን ካልኦትን ኣብ ቤት ትምህርቲ ኸም ዝሰማምዖምን ኣዕሩኽ ከም ዜጥርዩን ኣብ ምግባር ኣገዳሲ ግደ ኣሎካ።
Last ned PDF-fil